እዚ ገጽ’ዚ፡ መጨረሽታ ዕለት 5/25/2020 ተመሓዪሹ። ድሕሪ’ዚ ዕለት’ዚ ንእተገብረ ምምሕያሻት ንምርኣይ፡ ብኽብረትኩም ናይ እንግሊዝኛ ገጽ ርኣዩ።
- English (English),
- العربية (Arabic),
- မြန်မာစာ (Burmese),
- 简体中文 (Chinese),
- 繁體中文 (Chinese (Traditional)),
- فارسی (Farsi),
- Français (French),
- Italiano (Italian),
- 日本語 (Japanese),
- Ikinyarwanda (Kinyarwanda),
- 한국어 (Korean),
- Português (Portuguese, Brazil),
- Русский (Russian),
- Somali (Somali),
- Español (Spanish),
- Kiswahili (Swahili),
- Tagalog (Tagalog),
- ไทย (Thai),
- Türkçe (Turkish),
- Українська (Ukrainian),
- اردو (Urdu),
- Tiếng Việt (Vietnamese)
ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ሓቀኛን ዘይሓቀኛን ሓበሬታ ኣየናይ ምዃኑ ትፈልጥዎ’ዶ፧ USAHello፡ ተኣማኒ ዝኾነ ሓቀኛ ሓበሬታ ቫይረስ ኮሮና ዝሓዘ እዩ። ብዛዕባ ጽውጽዋያት ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ቪድዮታትና ተዓዘቡ። ውሑሳት መታን ኽትኮኑ፡ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት መደናገሪ ሓበሬታ እንታይ ምዃኑ ፍለጡ።
ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ሓቀኛን ዘይሓቀኛን ሓበሬታ እንታይ እዩ፧
ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ሓቀኛን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ኣየናይ ምዃኑ ንኽትርድኡ፡ ብሰራሕተኛታት፡ ወለንተኛታትን ኣባላት ቦርድን USAHello ንእተዳለወ ቪድዮታት ተዓዘቡ።
ቪድዮታት USAHello፡ ብብዙሕ ቛንቋታት ተዳልዩ ይርከብ።
- ይህንን ቪዲዮ በእንግሊዝኛ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በአረብኛ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በበርሚ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በቻይንኛ (ካንቶኒዝ) ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በቻይንኛ (ማንዳሪን) ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ ክሪዮል ውስጥ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በፋሪስ ውስጥ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በፈረንሳይኛ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በሂንዲ ውስጥ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በኪያርዋንዳ ውስጥ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በኮሪያኛ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በኔፓሊ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በፖርቱጋልኛ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በሩሲያኛ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በሱማሌ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በስፓኒሽ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በስዋሂሊ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በታጋሎግ ውስጥ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በቱርክኛ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በዩክሬን ውስጥ ይመልከቱ
- ይህንን ቪዲዮ በ Vietnamትናምኛ ይመልከቱ
ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ኣመልኪቱ ካብ ዝውሃብ መደናገሪ ሓበሬታ ተጠንቀቑ
መደናገሪ ሓበሬታ፡ የታልል እዩ። መብዛሕቱ ግዜ፡ እቶም ንኻልኦት ሰባት ዘደናግሩ ሰባት፡ ንኸታልልዎምን ገንዘቦም ንኽወስዱን ዝፍትኑ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ፍርሂ ኣብ ዝስምዓና እዋን፡ እቲ ሓቀኛን ዘይሓቀኛን ኣየናይ ምዃኑ ንኽንፈልጦ ይኸብደና እዩ። ኲልና ኽንፈልጦ ዘድልየና ዘጋጥም ሓደ ሓደ ምድንጋራት፡ እዚ ዝስዕብ እዩ!
ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ከምዝሰርሑን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንዓኹም ተባሂሉ እተዳለወ ቼክ ሓገዝ ከምዘሎ ንምሕባር፡ ጽሑፍ፡ ኢመይል ኣብ ዝስደደልኩም ወይ ጻውዒት ተሌፎን ኣብ ዝገብርልኩም እዋን፡ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይትሃብዎም። መንግስቲ ንሓበሬታ ሕሳብ ባንክኹም ምስዝደሊ፡ ብ.gov ኣብ ዝውድእ መርበብ-ሓበሬታ ብውሑስ መገዲ ብቐጥታ ከተእትውሉ እትኽእሉ ስርዓት ኣለዎ።. ሓበሬታ ንኽረክብ ኢሉ ድማ ኣይድውለልኩምን እዩ። ብዛዕባ ካብ መንግስቲ ዝርከብ ሓገዝ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸቡ።
ነዚ ቀረባት’ዚ ንምልላይ ንዝውሃብ መዋዕውዒ ኣይትገደስሉ፣ ናብ ካልኦት ድማ ኣይተመሓላልፍዎ። እቲ ዘለኩም ምልክታት ሕማም ምስቲ ቫይረስ ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ዘርኢ ሓጸርቲ ሕቶታት ኣብ ኢንተርነት ይውሃብ እዩ፣ እዚ ግን ሓቀኛ መርመራ ኣይኮነን። ንኮቪድ-19 ዝምልከት ናይ ኢንተርነት መርመራታት ወይ እተረጋገጸ ሕክምና ወይ ክታበታት የለን። መርመራ ኽትገብሩ ምስእትደልዩ፡ ኣብ ከባቢኹም ናብ ዝርከብ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ደውሉ።
ናይ ሖሶት መመርመሪ ቦታታት፡ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝርከባ ገለ ከተማታት ይርከብ እዩ። እዚ ኣገልግሎታት’ዚ፡ ዘይውሑስን ዘይሕጋውን እዩ። ብዛዕባ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ሓቀኛ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም
። ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ርኸቡ።
ሓደ ሓደ ብኢንተርነት ዘዋዕውዑን ዝሸጡን ሰባት፡ ካብ ቫይረስ ኮሮና ውሑሳት ዝገብረኩም ፍርያት ከምዘለዎም ይሕብሩ እዩ። መምከኒ ፈሳሲ (ዲስኢንፈክታንት)፡ ማስኬራን ካልእ ቀረባትን ድማ ይሸጡ። ብዙሕ ካብዚ ፍርያትን መርበባት-ሓበሬታን ድማ ናይ ሓሶት እዩ። ኣብ ኢንተርነት ብውሑስ መገዲ ብኸመይ ከምእትሽምቱ ዝምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።
ናይ ሓሶት ጻውዒት ተሌፎን፡ ንሰብ መሲላ ካብ እትዛረበኩም ማሺን ዝድወል ጻውዒት ተሌፎን እዩ። መልሲ ክትህቡ ኣብ ዝፈተንክሙሉ እዋን፡ ንእተቐረጸ መልእኽቲ ምስእትሰምዑ፡ ዕጸዉዋ። ዝኾነ ቊጽርታት ኣይትጠውቑ ወይ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይትሃቡ።
ሕማቕ ሓበሬታ እተወግድሉ መገድታት
መብዛሕቶም ሰባት፡ ሕማቕ ሓበሬታ የላብዑ ማለት ኣይኮነን። ካብ ኣባላት ኮም ዝመጽእ ኣዝዩ ብዙሕ ግጉይ ሓበሬታ ግን ኣሎ። ንሕና ድማ ጥዑይ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ኽንተሓጋገዝ ንኽእል ኢና።
ማሕበራዊ ሚድያ፡ ምስ መሓዙትናን ስድራቤትናን ርክብ ንኽህልወና ዝገብር ዓቢ መሳርሒ እዩ፣ እንተኾነ ግን፡ ኣብ ንሓድሕድና ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክህልወና ኣለዎ። ማሕበራዊ ሚድያ፡ መደናገርን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ እትዝርግሓሉ መሳርሒ ምዃኑ ዘሐዝን እዩ፣ ስለዚ፡ ብእንዝርግሖ ሓበሬታ ኣዚና ጥንቁቓት ንኹን። ሓቀኛ ሓበሬታ ምዃኑ ከነረጋግጽ እንተዘይክእሊልና፡ ዝኾነ ነገር ዳግማይ ክንጥቅዖ ወይ ክንዝርግሖ ከምዘይብልና ክንፈልጥ ኣገዳሲ እዩ። እወታዊ መልእኽታት ብምዝርጋሕ፡ ንሓይሊ ማሕበራዊ ሚድያ ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና!
ኣብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚድያን ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ። ኲሉ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ብቛንቋኹም ድማ ጥዑይ ሓበሬታ ንኽርከብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክትኣምኑለን እትኽእሉ መርበባት-ሓበሬታ፡ እዘን ዝስዕባ እየን፥
- ማእከላት ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (Centers for Disease Control and Prevention (CDC))፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቀንዲ ውድብ ጥዕና እዩ። ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ስጳንኛ፡ ቻይንኛ፡ ቬትናምኛ፡ ኮርያኛ ከምኡውን ብኻልእ ቛንቋታት ትህብ እያ።
- ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ንመላእ ዓለም ተባሂሉ ዝቖመ ቀንዲ ውድብ ጥዕና እዩ። ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ቻይንኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ሩስያኛ ከምኡውን ስጳንኛ ይህብ እዩ።
- ፕሮጀክት ምጥፋእ መሃይምነት ጥዕና ኮቪድ-19፡ ንጥኑሳት ደቀኣንስትዮን ኣብ ኲሉ ዕድመ ንዝርከቡ ቆልዑን ተባሂሉ ንእተዳለወ ሓበሬታ ዘጠቓልል ብ30 ቛንቋታት እተዳለወ ጽሑፍ-ጭብጥታት ኣለዎ።
- ኣብ ከንታኪ (Kentucky) ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዓውለማ (Office for Globalization)፡ ንሓደስቲ ኣሜሪካውያን ሓገዝ ይህብ። ብዛዕባ ኮቪድ-19ን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ዝምልከት ጽሑፍ-ጭብጥታት ብ22 ቛንቋታት ኣለዎ።
- ኣብ ኦረጎን (Oregon) ዝርከብ ኣውራጃ ሙልትኖማ (Multnomah County)፡ ጥዑይ ሓበሬታን ቪድዮታትን ብሓደስቲ መጻእተኛታት ብዝዝረብ 24 ቛንቋታት ኣድላዪ ይርከብ። ኣብቲ ገጽ ሓበሬታ፡ ንኣገልግሎት ምግብን ኣብያተ-ምግብን ዝምልከት ናይ ጽሬት ሓበሬታ ድማ ብ9 ቛንቋታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣዝዩ ከቢድን ዘፍርህን እዋን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሰባት ምስዝፈርሁ፡ ኣንጻር ካልኦት ሰባት ይለዓሉ እዩም። በሰላ-በደል (ስቲግማ)፡ ኣብ ሓደ ኮም ፍርህን ሻራን ከምዝህሉ ብምግባር ንዂሉ ሰብ ይጐድእ እዩ። ኣብቶም ዒላማ እተገብረሎም ሰባት ጉድኣት ከብጽሕ ድማ ይኽእል እዩ።
ኣብ ልዕሊ እስያውያንን ኣሜሪካውያን፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤትን ክንክን ጥዕናን፡ ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባት ወይ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣድልዎ ኽንገብር ኣየድልየናን እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰባት ኣድልዎ ኣይገብርን እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ሓደ ጉጅለ ካብ ካልኦት ንላዕሊ፡ ኮቪድ-19 ዝሕዞ ወይ ዘላብዖ ኣይኮነን።
ምልባዕ’ዚ ወረታት ከምኡውን በሰላ-በደልን ኣድልዎን ዘምጽእ ፍርሂ ዘወግድን ሓቀኛ ሓበሬታ ንኽትፈልጡ ናትኩም እጃም ኽትገብሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብሕብረት ምስእንሰርሕ፡ ውሑሳት ንኸውን!
ብዛዕባ በሰላ-በደል ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ርኸቡ።
እዚ ሓበሬታ፡ ከም UNICEF፡ ማእከላት ምቊጽጻር ሕማማ ከምኡውን ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝኣመሰሉ እሙናት ምንጭታት እተረኽበ እዩ። USAHello፡ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ፣ እቲ ዘሎና ዝኾነ ማተርያላታት፡ ከም ሕጋዊ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ንኽውሰድ ዝዓለመ ኣይኮነን።