እዚ ገጽ’ዚ፡ መጨረሽታ ዕለት 5/25/2020 ተመሓዪሹ። ድሕሪ’ዚ ዕለት’ዚ ንእተገብረ ምምሕያሻት ንምርኣይ፡ ብኽብረትኩም ናይ እንግሊዝኛ ገጽ ርኣዩ።
- English (English),
- العربية (Arabic),
- မြန်မာစာ (Burmese),
- 简体中文 (Chinese),
- 繁體中文 (Chinese (Traditional)),
- (فارسی)/دری (Persian),
- Français (French),
- Italiano (Italian),
- 日本語 (Japanese),
- Ikinyarwanda (Kinyarwanda),
- 한국어 (Korean),
- Português (Portuguese, Brazil),
- Русский (Russian),
- Somali (Somali),
- Español (Spanish),
- Kiswahili (Swahili),
- Tagalog (Tagalog),
- ไทย (Thai),
- Türkçe (Turkish),
- Українська (Ukrainian),
- اردو (Urdu),
- Tiếng Việt (Vietnamese)
እዚ፡ ንወለዲ ኣዝዩ ከቢድ ግዜ እዩ። ወለዲ ደገፍ ዝረኽብሉን ቆልዑ ድማ ጥዑያትን ውሑሳትን ንኽኾኑ ዝሕግዙ መገድታት ድማ ኣሎ።
ንወለዲ
ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ክሕግዛኹም ይኽእላ እየን
ቆልዑ ብኸቢድ ክሓሙ ዝኽእሉ እኳ እንተዘይኮኑ፡ እቲ ቫይረስ ግን ክሕዞም ይኽእል እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ንለበዳ ቫይረስ ንምዕንቃጽ ተዓጽየን ኣለዋ። ብዛዕባ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዚምልከት ምልክታ፡ ውላድኩም ካብ ዝምሃረላ ቤት ትምህርቲ ድሮ ተዋሂብኩም ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተሌፎን፡ ኢመይል ወይ ብመርበብ-ሓበሬታ ቤት ትምህርቲ መጺኢኩም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ውላድኩም ምስ ዝሰርሕ ሰብ ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም፧ እቲ ዝድውለልኩም ሰብ መን ምዃኑ ከይትፈልጥዎ ትኽእሉ ኢኹም። ውላድኩም ዝምሃረሉ ቤት ትምህርቲ ኣበይ ቦታ ከምዝርከብ ንኽትፈልጡ፡ ኣብ መድለዪ ሓበሬታ ኢንተርነት “find my local school” ኢልኩም ብምጽሓፍ፡ ካብቲ ዝመጽእ ዝርዝር ኣስማት ቤት ትምህርቲ ምረጹ። እቲ ዘድልየኩም ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቤት ትምህርቲ ምስዘይትረኽቡ፡ ኣብቲ መርበብ-ሓበሬታ ናብ ዝርከብ ቊጽሪ ተሌፎን ደውሉ።
ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ፡ ሕጂ’ውን ይሰርሑ ኣለዉ። መምሃራን፡ “ናይ ርሕቐት ትምህርቲ” ይህቡ ኣለዉ። እዚ ማለት፥ ተማሃሮ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም’ውን እንተሃለዉ፡ ንተማሃሮ ትምህርቲ ምምሃር ግን ይቕጽሉ ኣለዉ ማለት እዩ። ብዛዕባ ናይ ርሕቐት ትምህርቲ ዝምልከት ሕቶታት እንተልይኩም፡ ውላድኩም ንዝምሃረላ ቤት ትምህርቲ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ገዛ ኮይኖም መታን ክወስድዎ፡ ነቲ ትምህርቲ ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት ከምዝኣቱ ገይረን ኣለዋ። ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኢንተርነትን ኮምፕዩተርን ንዘይብለን ስድራቤታት ዝጥዕም ስርዓት ተኺለን ኣለዋ። ኣብዚ ስርዓት እትዋት እንተዄንኩም፡ ውላድኩም ኣብ ገዛ ኮይኑ መታን ከጽንዕ፡ ነዚ ማተርያላታት ትምህርቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ፡ እንታይ ከምእትገብሩ ክሕብርኹም ይኽእሉ እዮም። ኢመይል ትጥቀሙ እንተዄንኩም፡ ኣድራሻ ኢመይል ናይ ውላድኩም መምህር ክህልወኩም ተኽእሎ ኣሎ። ኢመይል ዘይብልኩም እንተኾይኑ፡ ብተሌፎን ገይርኩም ንቤት ትምህርቲ ተወከሱ።
ደቅኹም፡ ቤት ትምህርቲ ክፉት እንከሎ ምግቢ ይውሃቦም እንተነይሩ፡ ሕጂ’ውን ካብ ቤት ትምህርቲ ምግቢ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ቤት ትምህርትኹም ወይ ናይ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ድማ ብዛዕባኡ ዝምልከት ሓበሬታ ክትህበኩም እያ። ዝኾነ ሓበሬታ ክሳዕ ሕጂ ዘይተቐበልኩም እንተዄንኩም፡ ንቤት ትምህርቲ ተወከሱ።
ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ንኽኽፈታ ውሑሳት ክሳዕ ዝኾና ብዕጽዋተን ክጸንሓ እየን። ኣብያተ-ትምህርቲ ክኽፈታ ዝብል ውሳኔ፡ ብሰብ-መዚ ህዝባዊ ጥዕና ክውሃብ እዩ። ኣብ ከባቢኹም ንዘሎ ክፍሊ ጥዕና ርኸቡ።.ይህ ገጽ ትምህርት ቤቶች በእያንዳንዱ ግዛት እንደሚከፈቱ ወቅታዊ መረጃ አዘምን ፡፡
ገለ መውዓሊ ህጻናትን ኣብያተ-ትምህርትን፡ ንህጹጽ ኲነታትን ንኣገደስቲ ሰራሕተኛታትን ክሳዕ ሕጂ ክፉታት ኣለዋ። ኣገዳሲ ሰራሕተኛ እንተዄንኩም፡ ኣብ ከባቢኹም ካብ ዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ወይ ቤት ትምህርቲ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ወለዲ ምስ ደቆም ኣብ ገዛ ኣብ ዝኾንሉ ግዜ ዝውሃብ ምኽሪ
ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት፡ ንወለዲ ዘድሊ ሓበሬታ ኣለዎ፥
- ርጉኣትን ርግጸኛታትን ኲኑ።
- ንኽትሰምዑን ንኽትዛረቡን ንገዛእ-ርእስኹም ኣዳልዉ።
- ንኻልኦት ሰባት ዝወቅስን ናብ ጸለመ ዘብጽሕን ቛንቋ ኣወግዱ።
- ቆልዑ፡ ካብ ተለቪዥን፡ ራድዮ ወይ ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት ንዝርእይዎ ወይ ዝሰምዖ ነገር ተጠንቀቕሉ።
- ቅኑዕን ትኽክልን ዝኾነ ሓበሬታ ንቆልዑ ሃቡ።.
- ቆልዑ፡ ብኸመይ ጥዑያት ይኾኑ ምሃርዎም።
ሰይቭ ዘ ቺልድረን (Save the Children)፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ቆልዑ ክንክን ይገብር። ክኢላታት ቆልዑ፡ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮናን ኮቪድ-19ን ምስ ደቅኹም ብኸመይ ከምእትዘራረቡ ዝምልከት እሞ ኸኣ ተኣማኒ ዝኾነ ሓጸርቲ ምኽርታት ይህቡ እዮም፥
- ሓቀኛ ሓበሬታ ርኸቡን ንኻልኦት ሰባት ሃቡን።
- ኣብ ውላድኩም ምርኩስ ብምግባር ንዕኡ ዝጥዕም ኣገባብ ተጠቐሙ – ተወሳኺ ሓበሬታ ምሃብ፡ ንዕኡ ኣመና ዘሻቕል ወይ ንሻቕሎቱ ዘጉድል እንተኾይኑ ሕሰቡ።
- ነዚ ኣርእስቲ ብቐሊልን ርጉእን ኣገባብ ኣቕርቡ – ቆልዑ፡ ንዓኹም ናይ ምንባብ ዓቕሚ ኣለዎም።
- ውላድኩም እንታይ ከምዝፈልጥ ሕተቱ፣ ንሕቶታቱ መልሱን ንዝኾነ ግጉይ ሓበሬታ ድማ ኣቕንዑን።
- “እዚ ኣፍራሂ ክኸውን ከምዝኽእል ይርዳእ እየ። ምሉእ ጥዕና ንኽህልወካ ስጉምታት ንወስድ ኣሎና፣ ንዕኡ ድማ ጽቡቕ ገይርና ተዳሊናሉ ኣሎና።” – ኢልኩም መረጋገጺ ብምሃብ፡ ስምዒታቱ ቅቡል ምዃኑ ኣረጋግጽሉ።
- – ንኣእዳዉ ምሉእ ብምሉእ ምሕጻብ፡ ኣብ መንጐ ቅልጽሙ ምስዓልን ምህንጣስን፡ እኹል ድቃስ ምውሳድ፡ ወዘተ – ብዓቕሙ ኽገብር ከምዝኽእል ኣዘኻኽርዎ።
- ግቡእ ንጽሕና እንታይ ምዃኑ ንስኹም ኣብነት ኴንኩም ኣርእይዎም፣ ዋዛ ዘካተተ ንኽኸውን ድማ ጽዓሩ! ንኣእዳውኩም ብሳሙናን ማይን እንተወሓደ ን20 ካልኢታት ኣብ እትሓጽብሉ እዋን፡ እትፈትዉዋ መዝሙር ዘምሩ።
- ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፡ ንወለዲ ዝኸውን ሓበሬታ ብዓረብኛ፡ ቻይንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈንሳይኛ ከምኡውን ስጳንኛ ኣለዎ።
- ንወለዲ ተባሂሉ ብውዱብ ጥዕና ዓለም እተዳለወ ሓደ ሓደ ዓበይቲ ምኽርታት፡ ብእንግሊዝኛ ከምኡውን ብስጳንኛ ኣብዚ ኣሎ። ካልእ ቛንቋታት ድሉው ኣብ ዝኾነሉ እዋን ከምዝውሰኽ ኽንገብር ኢና።
- ክሃን ኣካዳሚ (Khan Academy)፡ ብኢንተርነት ዝውሃብ ትምህርቲ፡ ኣብ ኲሉ ዕድመታት ንዝርከቡ ተማሃሮ ብናጻ ይህብ እዩ። እቲ ንወለዲ ተባሂሉ እተዳለወ ናይ ሓበሬታ ገጻት፡ ብብዙሕ ቛንቋታት ተዳልዩ ይርከብ።
- ኢንስቲትዩት ቻይልድ ማይንድ (Child Mind Institute)፡ ንወለዲ ዝኸውን ሓጸርቲ ምኽርታት፡ ከምኡ
ንቖልዑ
ኮምፕዩተር ወይ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ተጠቒምኩም ንደቅኹም ከተርእይዎም እትኽእሉ ሓደ ሓደ ነገራት ኣብዚ እንሆ።
- ብ25 ቛንቋታት እተዳለወት ኣገራሚት መጽሓፍ ኮቪድ ኣንብቡ። ኣብ ስድራቤት ዘሎ ኲሉ ሰብ፡ ዝሓሸ ኲነተ-ኣእምሮ ንኽህልዎም እትሕግዝ እያ። ብፒዲኤፍ (pdf) ከተውርድዎ (ዳውንሎድ ኽትገብርዎ) ወይ ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
- ብዛዕባ ንጽሕና ካብ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ናይሰሰሚ ስትሪት (Sesame Street) ቪድዮታት ተዓዘቡ።
- ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ዋዛ ብዓረብኛ ኣንብቡ።
- “ዘ ፍላይንግ ሳይንቲስት (The Flying Scientist)” ብዓረብኛ ወይ ብእንግሊዝኛ ኣንብቡ።
- ንቖልዑ ተባሂሉ እተዳለወ ሓበሬታ ቫይረስ ኮሮና፡ ብስጳንኛ ርኸቡ።
- ርከብ ሓበሬታ ኮሮና ን ቆልዑ ካብ 3-6 ን 7-12 ዓመት ን ኮቴታትትን ብ 35 ቃንቃታት።
- ከለሪንግ ኮሎራዶ (Colorín Colorado)፡ ሓጋዚ ትምህርታዊ ማተርያላታት ብእንግሊዝኛ ከምኡውን ብስጳንኛ ኣዳልዩ ይርከብ።
- ቡክስማርት (Booksmart)፡ ብእንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ህንድን ስጳንኛን እተዳለወ ኣማኢት መጽሓፍቲ ዝሓዘ ኣፕሊኬሽን እዩ።
- Khan Academy፡ ብኢንተርነት ዝውሃብ ትምህርቲ፡ ካብ 4 ክሳዕ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ብናጻ ዝህብ እዩ። ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይዚ ገጽ፡ ቛንቋታት ኽትቐያይሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንኽትጅምሩ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ እተዓጸወሉ እዋን ብዛዕባ ዝውሃብ ናይ ርሕቐት ትምህርቲ ናብ ዝሓዘ ገጽ እተዉ።
- ለርኒንግ ሄሮስ (Learning Heroes)፡ ንቆልዑን ንወለድን ዝኸውን ሓጋዚ ማተርያላታት፡ ብእንግሊዝኛ ከምኡውን ብስጳንኛ ኣለዎ።
- ዝርዝር ናይተን ንንኣሽቱ ቆልዑ ጠቐምቲ ዝኾና መርበባት-ሓበሬታን ኣፕሊኬሽናትን ኣውርዱ (ዳውንሎድ ግበሩ)።
- ሊንጎኪድስ ናይ ቃንቃ መምሃሪ ፕሮግራም ን ቆልዑ ገይም ኣንዳ ተጻወት አንግሊስህ ክመሃሩ ዘፍቕድ ኢዩ። ሞባይላት ወይ ታብለታት ክትጥቀም ትኽእል/ሊ። ምስ ዩኤስኤሄሎው ፣ቆልዑትካ ሎንጎኪድስ ብ ናጻ ክጥቀሙ ይከእሉ።
እዚ ሓበሬታ፡ ከም UNICEF፡ Save the Children፡ ማእከላት ምቚጽጻር ሕማም ከምኡውን ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝኣመሰሉ እሙናት ምንጭታት እተረኽበ እዩ።. USAHello፡ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ፣ እቲ ዘሎና ዝኾነ ማተርያላታት፡ ከም ሕጋዊ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ንኽውሰድ ዝዓለመ ኣይኮነን።