እዚ ገጽ’ዚ፡ መጨረሽታ ዕለት 5/25/2020 ተመሓዪሹ። ድሕሪ’ዚ ዕለት’ዚ ንእተገብረ ምምሕያሻት ንምርኣይ፡ ብኽብረትኩም ናይ እንግሊዝኛ ገጽ ርኣዩ።
- English (English),
- العربية (Arabic),
- မြန်မာစာ (Burmese),
- 简体中文 (Chinese),
- 繁體中文 (Chinese (Traditional)),
- (فارسی)/دری (Persian),
- Français (French),
- Italiano (Italian),
- 日本語 (Japanese),
- Ikinyarwanda (Kinyarwanda),
- 한국어 (Korean),
- Português (Portuguese, Brazil),
- Русский (Russian),
- Somali (Somali),
- Español (Spanish),
- Kiswahili (Swahili),
- Tagalog (Tagalog),
- ไทย (Thai),
- Türkçe (Turkish),
- Українська (Ukrainian),
- اردو (Urdu),
- Tiếng Việt (Vietnamese)
ኣብ እንሓመሉ እዋን ብዛዕባ ከጋጥመና ዝኽእል ነገራት ኲልና ንፈርህ ኢና። ምስ እትሓሙ ድማ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እትፈልጥዎ ሰብ ኣብ ዝሓመሉ እዋን፡ ንገዛእ-ርእስኹምን ንስድራቤትኩምን ኣዳልዉ።
እቲ ዝርኤ ምልክታት ሕማም እንታይ እዩ፧
ምልክታት ሕማም፡ ኣብ እትሓሙሉ እዋን እተርእይዎ ምልክታት እዩ። እቲ ኮቪድ-19 ዘለዎ ኲሉ ሰብ፡ ኲሉ ምልክታት ሕማም የርኢ ማለት ኣይኮነን። መብዛሕቶም ሰባት ይሓሙ እዮም፣ ዝኾነ ሕክምናዊ ክንክን ከይረኸቡ ድማ ምምሕያሽ የርእዩ። ውሑዳት ሰባት ድማ ምልክታት ሕማም ኣየርእዩን እዮም። ገለ ሰባት ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ምልክታት ሕማም የርእዩ እዮም።
እቲ ቐንዲ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19፥
- ረስኒ
- ሰዓል
- ሕጽረት ምስትንፋስ

እቶም ኮቪድ-19 ዘለዎም መብዛሕቶም ሰባት፡ ብርቱዕ ድኻም ይስምዖም እዩ። እቲ ኻልእ ምልክታት ሕማም፥ ስቓይን ቃንዛን ኣብ ኣካላትኩም፣ እተዓብሰ ኣፍንጫ ወይ ነፈጥፈጥ ምባል (ልክዕ ከም ሰዓል)፣ ምሕርሓር ጐሮሮ፣ ውጽኣት ከምኡውን ምጥፋእ ናይ ምሽታት ስምዒት እዮም።
ዝይረኣዩ ምልክታት
መተሓሳሰቢ ፡ወላ እካ ምልክታትትካ ፈኩስ አንተኮነ፣ናይ ኦክስጅን ደረጃ ክዕቅኑልካ ሕተቶም። ዝበዝሑ ሰባት ኮቨድ-19 ዝሕዞም ትሑት ኦክስጅን ደረጃ ኣለዎምን ኣንይፈልጡ ኢዮም ከኣ። ትሑት ዕቀናት ኦክስጅን ብጣዕሚ ከቢድ ። ግን እንተ ደኣ ዓቀን ኦክስጅን ብቅልጡ ተሓኪሙ ። ዝያዳ ብቀሊሉ ክሕሸካ ይክእል።
ምስ ዝሓምም እንታይ ኽገብር ይግባእ፧
እቶም ኮቪድ-19 ዘለዎም መብዛሕቶም ሰባት፡ ቀሊል ሕማም ይስምዖም፣ ኣብ ገዛ ኮይኖም ድማ ካብ ሕማሞም ክሓውዩ ይኽእሉ እዮም። ምኽሪ ንምርካብ፡ ናብ ዝከታተለኩም ዶክተር ወይ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ጥዕና ክትድውሉ ይግባእ። ሕቶታት ክሓትኹምን እትገብርዎ ነገራት ክሕብርኹምን እዮም። ኣብ እትቕመጥሉ ክፍለ-ሃገር ብዛዕባ ዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ሓበሬታ ንኽትረኽቡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ማእከል ምቚጽጻር ሕማማት ኣቲኹም ርኣዩ።
ኣብ ገዛ ኴንኩም ንገዛእ-ርእስኹም ብኸመይ ከምእትከናኸኑ ዝምልከት ካብ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት እተረኽበ ሓጺር-ምኽርታት ስዒቡ ኣሎ፥
- ካብ ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ ብምዕራፍ ከምኡውን ካብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ብምርሓቕ ኣብ ገዛ ኲኑ።
- ንዘለኩም ምልክታት ሕማም ተኸታተሉ፣ እናኸፍኣኩም እንተኸይዱ ድማ ናብ ዝከታተለኩም ወሃቢ ክንክን ጥዕና ደውሉ።
- ዕረፍቲ ውሰዱን ብዝሒ ማይ ስተዩን።
- ኣብ መዓልቲ ቆጸራ ክንክን ጥዕና ተሌፎን ብምድዋል፡ ኮቪድ-19 ክህልወኒ ይኽእል’ዩ ብምባል ኣቐዲምኩም ሓብሩ።
- ኣብ እትስዕልሉን እትህንጥስሉን እዋን ኣፍኩም ሸፍኑ።
- ንኣእዳውኩም ብሳሙናን ማይን ብቐጻሊ ሕጸቡ።
- ካልኦት ኣባላት ስድራቤት በቲ ሕማም ንኸይትሓዙ፡ ኣብ እተፈልየ ክፍሊ ተቐመጡ።
- ከም ብያትታት፡ ሽጐማንን ኣንሶላን ዝኣመሰለ ውልቃዊ ነገራት ኣብ ስድራኹም ምስ ዝርከቡ ካልኦት ሰባት ብሓባር ብምዃን ኣይትጠቐሙ።
- ከም ባንኮ፡ መሸፈኒ ጣውላን ለዓት ማዕጾን ንዝኣመሰሉ ብዙሕ ግዜ ዝትንከፍ ኲሉ ዝባን-ባይታ ከምዝጸሪ ግበሩ።
ነዚ ሓጺር-ምኽርታት’ዚ፡ ብዓረብኛ፡ ቻይንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ኮርያኛ፡ ስጳንኛ ከምኡውን ቬትናምኛ ርኸቡ።
ንስኹም ወይ ደቅኹም፡ ኮቪድ-19 ዘይኮነ ሕማም ምስእትሓሙ፡ ከምቲ ኣብ ንቡር ግዜ እትገብርዎ ኽትገብሩ ይግባእ። ኽትገብርዎ ዘለኩም ዘይትፈልጡ እንተዄንኩም፡ ናብ ዶክተር ወይ ማእከል ጥዕና ቅድሚ ምዃድኩም፡ ናብ ዝከታተለኩም ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ደውሉ።
ዘለኩም ረስኒ ኣዝዩ ልዑል እንተኾይኑ ወይ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ምስዝህልወኩም፡ ሓገዝ ክትረኽቡ ይግባእ። ሕብሪ ገጽኩም ወይ ከንፈርኩም ሰማያዊ ምስዝቕየር፡ ሓገዝ ሕተቱ። ድንግርግር ምስዝብለኩም ወይ ትኽስክስ እንተልኩም፡ ሓገዝ ሕተቱ። ናብ ሕክምና ቅድሚ ምኻድኩም፡ ናብ 911 ወይ ዝከታተለኩም ዶክተር ወይ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ሆስፒታል ደውሉ። ኮቪድ-19 ክህልወኩም ከምዝኽእል ሓብርዎም። ሕቶታት ክሓትኹምን እትገብርዎ ነገራት ክሕብርኹምን እዮም።
- ግለላ፥ ኣብ ዝሓመምክሙሉ ግዜ፡ ንኻልኦት ሰባት ንኸይትለኽፉ ኢልኩም ካብቶም ሰባት ተፈሊኹም ኽትቕመጡ ከለኹም ማለት እዩ። ኣብ ገዛ ኴንኩም ርእሰ-ግለላ ኽትገብሩ ትኽእሉ፣ ኣብ ሆስፒታል’ውን ኽትግለሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሆስፒታል ኣብ እትግለልሉ እዋን፡ በጻሕቲ ንኽበጽሕኹም ኣይፍቀደልኩምን እዩ።
- ውሸባ፥ ኣብ ዝሓመምክሙሉ እዋን ንእተወሰነ ንውሓት ግዜ ካብ ካልኦት ሰባት ርሒቕኩም ኣብ ሓደ ቦታ ክትጸንሑ ከለኹም ማለት እዩ። እዚ፡ ንበይንኹም ወይ ብሓባር ምስ ስድራቤትኩም ኽግበር ይከኣል። እቲ ንኮቪድ-19 ተባሂሉ ዝግበር ውሸባ፡ መብዛሕቱ ግዜ ን2 ሳምንታት ዝጸንሕ እዩ።
- ኣብ ዝሓመምክሙሉ እዋን ወይ ናብቲ ቫይረስ ኣብ እተቓላዕክሙሉ እዋን፡ ናብ ዝከታተለኩም ክፍሊ ጥዕና ደውሉ። ንገዛእ-ርእስኹም ኽትግልሉ ወይ ክትውሽቡ ዘድልየኩም እንተኾይኑ ድማ ክሕብረኩም እዩ።
- ምስ ዝከታተለኩም ዶክተር ንኽትዘራረቡ፡ ስም ዶክተርኩም መን ምዃኑ ፍለጥዎ።
- ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ዝሓመምክሙዎ ሕማማት፣ እትወስድዎ መድሃኒታትን ንጥዕናኹም ክጸሉ ዝኽእል ዝኾነ ነገርን ብዝምልከት ንሰራሕተኛታት ሆስፒታል ሓቀኛ ሓበሬታ ሃቡ። ብዛዕባኹም ኲሉ ነገር ምስዝፈልጡ፡ ንዓኹም ድማ ብዝበለጸ ክሕግዝኹም ይኽእሉ።
- ዘይተረድኣኩም ነገር ምስዝህሉ ድማ ብዝያዳ ኣብሪሆም ንኽገልጽልኩም ሕተትዎም።
- ኣብ ሆስፒታል፡ ኣስተርጓሚ ንኽቕረበልኩም ንኽትሓቱ መሰል ኣለኩም። ኣስተርጓሚ ምስዘይርከብ፡ እሞ ኸኣ ናይ ቛንቋ ጸገም ምስዝህሉ፡ ኣብ ተሌፎኖም ንGoogle Translate ወይ Tarjimlyንኽጥቀሙ ንሰራሕተኛታት ሆስፒታል ሕተቱ።
- ሰራሕተኛታት ሕክምና ብስራሕ ኣዝዮም ጽሙዳት ኣብ ዝኾንሉ እዋን፡ እሞ ኸኣ ንስኹም ብዝኾነ ጉዳይ ኣብ ጭንቀት ምስትህልዉ፡ ምስ ጠበቓ ሕሙማት ንኽትራኸቡ ሕተቱ። ጠበቓ፡ ኣብ ክንዳኹም ኮይኑ ዝዛረብ ሰብ እዩ።
- ምስ ጠበቓ ክትዘራረቡ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም፡ ንኣባል ስድራቤትኩም ወይ ናይ ውልቂ ተጸዋዒኹም እዋናዊ ሓበሬታ ንኽውሃቦም ንሆስፒታል ሕተቱ።
- ስንክልና ስለዘለኩም ምስ ሰባት ርክብ ኣብ ምግባር ሓገዝ የድልየኩም ድዩ፧ ብዛዕባ መሰላትኩም ዝምልከት ሓበሬታን ናብ ሆስፒታል እትወስድዎ ቅጥዕን፡ ብእንግሊዝኛ ከምኡውን ብስጳንኛ ኣንብብዎን ኣውርድዎን (ዳውንሎድ ግበርዎን)።
መርመራ ቫይረስ ኮሮና ኽገብር ይግብኣኒ ድዩ፧
ኮቪድ-19 ከምዘለኩም ንኽትፈልጡ መርመራ ኽትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ሰራሕተኛ ሕክምና፡ ንእሽቶ ዕንጨይቲ ኣብ ኣፍንጫኹም ብምእታው፡ ቅምሶ ዋህዮታት ይወስድ። እቲ እተወሰደልኩም ቅምሶ፡ ኣብ ላባራቶሪ ይምርመር። እወታዊ ውጽኢት እንተተረኺቡ፡ ኮቪድ-19 ኣለኩም ማለት እዩ። ኣሉታዊ ውጽኢት እንተተረኺቡ ድማ ኮቪድ-19 የብልኩምን ማለት እዩ።
ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት፥ ኲሉ ሰብ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ኽገብር ኣየድልዮን’ዩ ይብል። መርመራ፥ ንገዛእ-ርእስኹም ንኽትሕልዉን ንኻልኦት ሰባት ንኽትከላኸሉን እንታይ ኽትገብሩ ከምዘለኩም ንኽትውስኑ ግን ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ምልክታት ሕማም ምስዝህልወኩም፡ እሞ ኸኣ መርመራ ኽትገብሩ ምስእትደልዩ፡ ናብ ዝከታተለኩም ክፍሊ ጥዕና ወይ ዶክተር ደውሉ። ኣብ እትቕመጡላ ክፍለ-ሃገር ዘሎ ክፍሊ ጥዕና ኣበይ ከምዝርከብ ንኽትፈልጡ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ከፊትኩም ርኣዩ።

ሕጋዊ ወረቐት ምስዘይህልወኒ’ኸ፧
ዋላ’ውን ሕጋዊ ወረቐት ኣይሃልኹም፡ ክንክን ጥዕና ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተኾነ ግን፡ ናብ ማእከል ሕክምና ቅድሚ ምኻድኩም ክትድውሉ ኣለኩም። ምልክታት ሕማም ምስዝህለኩም፡ ናብ ዝከታተለኩም ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ደውሉ፣ እዚ ግን ናብ ዶክተር ወይ ማእከል ጥዕና ቅድሚ ምኻድኩም ክኸውን ኣለዎ። ንስደተኛታትን ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ኣሜሪካውያንን ሓገዝ ዝህባ ክሊኒካት ጥዕናን ሆስፒታላትን፡ ብዛዕባ ሕጋዊ ኲነታት ተሓከምቲ ዝምልከት ሓበሬታ ንኻልእ ኣካል ንኽህባ ግዴታ የብለንን፣ እቶም ሕሙማት ድማ ብሕግታት ብሕትና ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓለዋ ይግበረሎም እዩ። ብዛዕባ መጻእተኛታት፡ ሓተትቲ-ዑቕባን ስደተኛታትን ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ግዜ ህጹጽ ኲነታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
መድሕን ጥዕና ምስዘይህልወኒ፡ እንታይ ይገብር፧
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝርከባ መብዛሕተን ማሕበረ-ኮማት፡ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎምን መድሕን ንዘይብሎምን ሕሙማት ዘገልግላ ክሊኒካት ጥዕና ይርከባ እየን። ኣብ ከባቢኹም እትርከብ ብትሑት ክፍሊት ወይ ብናጻ ኣገልግሎት እትህብ ማእከል ጥዕና እንተልያ ኽትፍትሹ ትኽእሉ ኢኹም።
እዚ ሓበሬታ፡ ከም ማእከላት ምቚጽጻር ሕማም ከምኡውን ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝኣመሰሉ እሙናት ምንጭታት እተረኽበ እዩ። USAHello (ዩኤስኤሄሎ)፡ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ፣ እቲ ዘሎና ዝኾነ ማተርያላታት፡ ከም ሕጋዊ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ንኽውሰድ ዝዓለመ ኣይኮነን። እቲ ዘሎና ሓበሬታ ጥዕና፡ ብኣባል ቦርድ USAHello ተጅ ሚሽራ (Tej Mishra)፡ ክኢላ ህዝባዊ ጥዕናን ሕማም ለበዳን ገምጋም ተኻዪዱሉ።