እዚ ገጽ’ዚ፡ መጨረሽታ ዕለት 5/25/2020 ተመሓዪሹ። ድሕሪ’ዚ ዕለት’ዚ ንእተገብረ ምምሕያሻት ንምርኣይ፡ ብኽብረትኩም ናይ እንግሊዝኛ ገጽ ርኣዩ።
- English (English),
- العربية (Arabic),
- မြန်မာစာ (Burmese),
- 简体中文 (Chinese),
- 繁體中文 (Chinese (Traditional)),
- فارسی (Farsi),
- Français (French),
- Italiano (Italian),
- 日本語 (Japanese),
- Ikinyarwanda (Kinyarwanda),
- 한국어 (Korean),
- Português (Portuguese, Brazil),
- Русский (Russian),
- Somali (Somali),
- Español (Spanish),
- Kiswahili (Swahili),
- Tagalog (Tagalog),
- ไทย (Thai),
- Türkçe (Turkish),
- Українська (Ukrainian),
- اردو (Urdu),
- Tiếng Việt (Vietnamese)
ካብ ስራሕ እተሰናቢትኩም ዲኹም፧ ስራሕ ክትሰርሑ ኣይከኣልኩም፧ መንግስታዊ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩምን ንኽውሃበኩም ድማ ብቑዓት ዘይምዃንኩምን ንኽትፈልጡ ሓበሬታ ርኸቡ።
ካብ ዝነበርክዎ ስራሕ እተሰናበትኩ እንተኾይነ’ኸ፧
ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ብዙሕ ዋኒነ-ትካላት፡ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ተዓጽዩ ኣሎ። ብዙሕ ሰብ ድማ ዝሰርሖ ስራሕ ስኢኑ ኣሎ። እቶም ካልኦት ድማ በቲ ሕማም ስለዝሓመሙ ወይ ንሳቶም ዝፈልጥዎ ሰብ ሓሚሙ ስለዘሎ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ይሰርሑ የለዉን። ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብዚ ግዜ’ዜ ዘይትሰርሑ እንተዄንኩም፡ ሓገዝን ገንዘብን ክትረኽብሉ እትኽእሉ ገለ መገድታት ኣሎ።
ነፍስወከፍ ሃገር፡ ሰባት ካብ ስራሕ ኣብ ዝሰናበትሉ እዋን፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝህብ ፕሮግራም መድሕን ሽቕለት-ኣልቦነት ኣለወን። እቲ ዓቐን ገንዘብን ብዝሒ ናይ ሓገዝ ሳምንታትን፡ ኣብ ነፍስወከፍ ክፍለ-ሃገር ይፈላለ እዩ። ኣብ እትቕመጥሉ ክፍለ-ሃገር ንዘሎ ቤት ጽሕፈት መድሕን ሽቕለት-ኣልቦነት ርኸቡ። ኣብ መብዛሕተን ክፍላተ-ሃገር፡ ን26 ሳምንታት ዝጸንሕ ሓገዝ ይህባ።
ብምኽንያት ህጹጽ ኲነታት ቫይረስ ኮሮና ድማ ክልተ ተወሰኽቲ ሓድሽ ዓይነታት ሓገዝ ይውሃብ እዩ።
- ስራሕ ዘይብሎም ሰባት፡ ኣብ ነፍስወከፍ ክፍለ-ሃገር፡ ንተወሳኺ 13 ሳምንታት ሓገዝ ስለዝረኽቡ፡ መብዛሕቶም ሰባት፡ ን39 ሳምንታት ዝኸውን ግዜ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
- እቲ ካብ መጋቢት 27 ክሳዕ ሓምለ 27 ንዘሎ ግዜ፡ ሓገዝ ሽቕለት-ኣልቦነት ዝቕበል ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ሰሙን ተወሳኺ $600 ይቕበል።
ብዛዕባ ኣብ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝውሃብ መድሕን ሽቕለት-ኣልቦነት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸቡ።
- መድሕን ሽቕለት-ኣልቦነት ንኽትረኽቡ፡ ኣብ ሕቡራት መንግታት ኣሜሪካ ንኽትሰርሑ ፍቓድ ስራሕ ዘለኩም ኽትኮኑ ኣለኩም። እዚ ድማ ንዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ፍቓድ መንበሪ (ግሪን ካርድ) ዘለዎምን ፍቓድ ስራሕ ዘለዎምን የጠቓልል።
- ፍቓድ ስራሕ እናሃለወኩም እትሰርሑ ዝነበርኩምን ብጉድለትኩም ድማ ካብ ስራሕ እተሰናበትኩም ዘይኮንኩምን ኽትኮኑ ኣለኩም። ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓድሽ ስራሕ እንተረኺብኩም ክትሰርሑ እትኽእሉን ድሌት ዘለኩምን ኽትኮኑ ኣለኩም።
- ፍቓድ ስራሕኩም ግዜኡ ዘብቅዐ እንተኾይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ዘብቅዓሉ ዕለት፡ ሓገዝ ሽቕለት-ኣልቦነት ክትረኽቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
- ሓገዝ ንኽትረኽቡ፡ ካብ ስራሕ ቅድሚ ምስንባትኩም፡ ንገለ ሳምንታት ዝሰርሕኩም ኽትኮኑ ኣለኩም። ብዛዕባ እትቕመጡላ ክፍለ-ሃገር ዝምልከት ሓበሬታ፡ ክፍለ-ሃገር-ብኽፍለ ሃገር ካብ እተዋህበ መምርሒ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓደስቲ መጻእተኛታት ኽትኮኑ ትኽእሉ ወይ ድማ ንኣብነት ከም ሊፍት (Lyft) ወይ መራሕ ኡበር (Uber) ኴንኩም – ናይ ውሱን ሰዓታት (ፓርት-ታይም) ሰራሕተኛ ወይ ርእስኹም ዝኸኣልኩም በዓል-ውዕል (ኮንትራክተር) ኽትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ብምኽንያት ለበዳ ዝውሃብ ሓገዝ ሽቕለት-ኣልቦነት (Pandemic Unemployment Assistance) ክትረኽቡ ድማ ትኽእሉ ኢኹም።
ነቲ መስርሕ ክትጅምርሉ እትኽእሉ ዝበለጸ ቦታ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሽቕለት-ኣልቦነት ክፍለ-ሃገር እዩ። እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ፡ ሓገዝ ክትረኽቡ ብቑዓት እንተዄንኩምን ክንደይ ዓቐን ሓገዝ ከምእትረኽቡን ክሕብረኩም ይኽእል እዩ። ምስተመዝገብኩም፡ ኣብ ነፍስወከፍ ሰሙን ተወሳኺ $600 ብኡንብኡ ኽትረኽቡ ኢኹም።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትሰርሑ ፍቓድ ዘይብልኩም እንተዄንኩም፡ መድሕን ሽቕለት-ኣልቦነት ወይ ዝኾነ ካልእ መንግስታዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ከተመልክቱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ንኮቪድ-19 ዝምልከት ሕክምና ከምኡውን መርመራ ግን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ነቶም ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ሰባት ዝውሃብ ፕሮግራማት ህጹጽ ረድኤት ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ፥
- ትካል ማህደረ-ትምህርቲ ስድራቤት በታንኮርት ማስያስ (Betancourt Macias Family Scholarship Foundation)፡ ማዕከን ህጹጽ ረድኤት ኣለዎ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታኡ ከተመልክቱ ወይ ድማ እንግሊዝኛ ወይ ስጳንኛ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ንኽትዘራረቡ ናብ (360) 524-3664 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።
- ሃገራዊ ሕብረት ዘቤታዊ ሰራሕተኛታት (National Domestic Workers Alliance (NDWA))፡ ንኣባላት’ዚ ትካል’ዚ ተባሂሉ ዝቖመ ማዕከን ኮይኑ፡ ነቶም ክንክን ኣብ ገዛ ዝህቡ ሰራሕተኛታት፡ ኣለይቲ ቆልዑን ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታትን ድማ ህጹጽ ረድኤት ይህብ።
- ማዕከን ሰክዔት ድሕነት ስደተኛታት ሰራሕተኛታት (Immigrant Worker Safety Net Fund)፡ ንስደተኛታት ሰራሕተኛታት ቀጥታዊ ሓገዝ ዝህብ እዩ።
- ማዕከን ህጹጽ ረድኤት ዋን ፈየርዌጅ (One FairWage Emergency Fund)፡ ንሰራሕተኛታት ኣብያተ-ምግቢ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝህብ እዩ።
መንግስቲ ሓገዝ ንኽህብ ዝገብሮ ዘሎ ካልእ ነገር እንታይ እዩ፧
መንግስቲ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንዘለዉ ገለ ሰባት ንዝሓልፍዎ ዘለዉ ከቢድ እዋን ንኽሕግዞም ተባሂሉ ሓንሳእ ዝኽፈል ክፍሊት እዩ። እዚ ክፍሊት’ዚ፡ ንሓደ ውልቀሰብ ክሳዕ $1200፣ ንእተመርዓዉ ጽምዲ ድማ $2400፡ ንነፍስወከፍ ቆልዓ ድማ ተወሳኺ $500 ዝውሃብ እዩ። ነዚ ክፍሊት’ዚ ንኽትረኽቡ ብቑዓት ንኽትኮኑ፥
- ኣብ ስድራኹም ዝርከብ ኲሉ ሰብ፡ ቊጽሪ ማሕበራዊ ውሕስነት (ሶሻል ሰኲሪቲ) ክህልዎ ይግባእ።
- ዜጋ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኽትኮኑ ወይ ፍቓድ መንበሪ ዘለኩም ወይ ድማ ንመምዘኒታት ናይ IRS ፍቓድ ነባርነት እተማልኡ ኽትኮኑ ይግባእ።
ናይ 2018 ወይ 2019 ግብሪ ዝኸፈልኩም እንተዄንኩም ወይ ንጡፍ ዝኾነ ሓገዝ ሶሽያል ሰኲሪቲ እንተልይኩም፡ እዚ ቼክ ንኽውሃበኩም ኽትገብርዎ ዘድልየኩም ነገር የለን።ናይ 2019 ግብሪ ዘይከፈልኩም እንተዄንኩም፡ ሕጂ ኽትከፍሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓገዝ ግበሪ ወይ ክፍሊታት ሶሽያል ሰኲሪቲ ብቐጥታ ኣብ ሕሳብ ባንክኹም ዝተኸፍልኩም እንተዄንኩም፡ ነቲ ገንዘብ’ዚ ኣብ ሚያዝያ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። መንግስቲ፡ ብዛዕባ ሕሳብ ባንክኹም ዝምልከት ሓበሬታ ምስዘይህልዎ፡ ብቼክ ከምእትኽፈሉ ኽግበር እዩ። እዚ ቼክ’ዚ፡ ክሳዕ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ብጶስጣ ክበጽሓኩም
መብዛሕቱ ግዜ፡ ግብሪ ንኽትከፍሉ እኹል ኣታዊ ምስዘይህልወኩም፡ ናይ ጥረ-ገንዘብ ክፍሊት ክውሃበኩም ይኽእል እዩ። ናትኩም ሓበሬታ፡ ኣብ ቅጥዒ ሓበሬታ ክፍሊት ዘይከፍሉ ሰባት ኸተእትዉ የድልየኩም እዩ። ቊጽርታት ሶሽያል ሰኲሪቲ፡ ኣድራሻ ጶስጣን ካልእ ሓበሬታ ንኽትህቡ ክትሕተቱ ኢኹም።
- ሓሚምኩም እሞ ኸኣ ኮቪድ-19 ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ጥርጠራ ምስዝህልወኩም፡ ናብ ስራሕ ኽትከዱ ኣይግባእን። ናብ ዘስርሓኩም ትካል ብምድዋል፡ ንኻልኦት ሰባት ንኸይትለኽፉ ኢልኩም ስራሕ ከምዘይትመጹ ብተሌፎን ሓብሩ። ኣብ ዝሓመምክሙሉ እዋን፡ ሓገዝ ብኸመይ ከምእትረኽቡ ዝምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።
- ብዙሓት ኩባንያታት፡ ብኮቪድ-19 ኣብ ዝሓመምክሙሉ እዋን ወይ ቫይረስ ንዘለዎ ኣባል ስድራቤት ንምእላይ ስራሕ ኣብ ዘቛረጽክሙሉ እዋን፡ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ይህባ ኣለዋ።
- ትሕቲ 500 ሰራሕተኛታት ዘለወን መብዛሕተን ኩባንያታት፡ ብመሰረት ኣዋጅ ኬርስ (CARES Act)፡ ኣብ ግዜ ሕማም ናይ ክልተ ሳምንታት ደሞዝ ይኸፍላ እየን። ዝእለዩ ቆልዑ ስለዘለዎም ክሰርሑ ንዘይክእሉ ሰባት ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ይውሃብ እዩ። ብቫይረስ ኮሮና ንዝሓመመ ሰብ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ እትህብ እንተኾይና ንምፍላጥ፡ ንእትሰርሑላ ኩባንያ ሕተቱ፣ ስለዚ ድማ እቲ ካብ ትካልኩም እትጽበይዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ትፈልጡ
- ብዛዕባ ኣብ ግዜ ህጹጽ ኲነታት ቫይረስ ኮሮና ዝውሃብ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ዝምልከት ዘለኩም መሰላት ፍለጡ።
- ትሕቲ 500 ሰራሕተኛታት ዘለወን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከባ ዋኒነ-ትካላትን ዘይመኽሰባውያን ትካላትን፡ ንዋኒነ-ትካላተን ዝኸውን ሓገዝ ንኽረኽባ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ኬርስ ዝቖመ ብፕሮግራም ሓለዋ ደሞዝ (Payroll Protection Program (PPP)) ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ፕሮግራም ንኽትኣትዉ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።
- ርእሱ-ዝኸኣለ በዓል-ውዕል እንተዄንኩም ወይ ንስኹም ጥራይ እትሰርሕሉ ዋኒነ-ትካል እንተልይኩም፡ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።
- ባንኪ፡ ብመሰረት’ዚ ፕሮግራም’ዚ፡ ማዕረ 2.5 ግዜ ናይቲ ማእከላይ ወርሓዊ ደሞዝኩም ለቓሕ ይህበኩም፣ እዚ ግን እቲ ናይ ለቓሕ ገንዘብ፡ ንወጻኢታት ደሞዝ፡ ክፍሊታት ክራይን ኣገልግሎታትን እትኸፍልሉ እንተዄንኩም እዩ፣ ነዚ ለቓሕ ንኽትመልሱ ድማ ናይ ግድን ኣይኮነን። እዚ ፕሮግራም’ዚ፡ ሰባት ስራሕ ምስራሕ ንኽቕጽሉ ተባሂሉ ዝውሃብ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንብዝሒ ሰራሕተኛታትኩም ምስእተጉድሉ፡ ዝይዳ ገንዘብ ኽትከፍሉ ትግደዱ።
- ኣብዚ ፕሮግራም’ዚ ንኽትኣትዉ ንኸተመልክቱ፡ ባንክኹም ነዚ ፕሮግራም ዘለቅሖ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ናብ ባንክኹም ክትድውሉ ይግባእ። ነዚ ፕሮግራም’ዚ ለቓሕ ዘይህብ እንተኾይኑ፡ ካልእ ኣለቃሒ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ማሕበር ንኡስ ዋኒነ-ትካላት (Small Business Association)፡ ብዛዕባ’ዚ ፕሮግራም ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታን ንትካልኩም ዝምልከት ካልእ ሓገዝን ይህብ እዩ። ላ ኮሺና (La Cocina)፡ ኣብ ካሊፎርንያን ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ናይ ዝርከብ እኹል ዝርዝር ፕሮግራማት ዋኒነ-ትካላት ሒዙ ይርከብ።
ሓደ ሓደ ከተማታትን ክፍላተ-ሃገርን፡ ነቶም ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ሰራሕተኛታን ፈደራላዊ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብቑዓት ዘይኮኑ ዜግነት ዘይብሎም ሰባትን ሓገዝ ይህባ ኣለዋ።
- ካብ ኢንፎርምድ ኢሚግራንት (Informed Immigrant) ዝውሃብ ሓበሬታ ክፍለ-ሃገር-ብኽፍለ-ሃገር ርኸቡ።
- ብዛዕባ ናይ ካሊፎርንያ ናይ $75 ሚልዮን ማዕከን ረድኤት ሓደጋ (Disaster Relief Fund) ዝምልከት ሓበሬታ ርኸቡ። እዚ ማዕከን’ዚ፡ ሓገዛት መድሕን ሽቕለት-ኣልቦነትን ረድኤት ሓደጋን ክረኽቡ ዘይክእሉ ሕጋዊ ፍቓድ ንዘይብሎም ካሊፎርንያውያን ዝሕግዝ እዩ። ኣስታት 150,000 ዝኾኑ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ዓበይቲ ካሊፎርንያውያን፡ ንሓደ ዓቢ ሰብ ብሓንሳእ ዝኽፈል ናይ $500 (ንሓንቲ ስድራ ድማ ጠቕላላ $1,000 ) ናይ ጥረ-ገንዘብ ሓገዝ ክውሃቡ ምዃኖም፡ ኣማሓዳሪ ካሊፎርንያ ሓቢሩ። ካብ ግንቦት 2020 ጀሚሩ፡ እቲ ገንዘብ፡ ንስደተኛታት ካሊፎርናውያን ሓገዝ ብዝህባ ናይ ከባቢ ትካላት ድማ ከምዝውሃብ ኽግበር እዩ። ብኸመይ ከምእተመልክቱ ንኽትፈልጡ፡ ኣብ እትነብርሉ ማሕበረ-ኮም ንዝርከብ ትካል ተወከሱ።
- እተወልድሉ ሃገር ወይ ዘለዎም ኲነታት ዜግነት ብዘየገድስ፡ እዚ ፕሮግራም’ዚ ኣብ ቺካጐ ንዝርከብ ኲሉ ሰብ ዝውሃብ ምዃኑ፡ ከተማ ቺካጐ ሓቢሩ። ኣብ ግዜ ህጹጽ ኲነታት ቫይረስ ኮሮና፡ ብዛዕባ ኣብ መላእ ከተማ ቪካጐ ዝውሃብ ሓገዛት ዝምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።
- ዘለዎም ኲነታት ኢሚግሬሽን ብዘየገድስ፡ ነቶም ብኮቪድ-19 ዝጽለዉ ተቐማጦ ቦስቶን ዝውሃብ ኣገልግሎታት ከምዘሎ፡ ከተማ ቦስቶን ሓቢራ። ኣብ ቦስቶን ዝርከቡ ስደተኛታት ብኸመይ ኣገልግሎታት ከምዝረኽቡ ሓበሬታ ርኸቡ።
- ኲሉ ሰብ፡ ዘለዎ ኲነታት ኢሚግሬሽን ብዘየገድስ፡ እዚ ኣገልግሎታት’ዚ ንክረክብ ብቑዕ ከምዝኾነ፡ ከተማ ስያትል ሓቢራ። ምስ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ኣብ ከተማ ስያትል ዝውሃብ ፕሮግራማትን ኣገልግሎታትን ዝምልከት ሓበሬታ ርኸቡ።
ካልእ ዓይነታት ሓገዝ
ንገዛእ-ርእስኹምን ስድራቤትኩምን ሓገዝ ምግቢ የድልየኩም ድዩ፧
- ከም WIC ከምኡውን SNAP ዝኣመሰለ ፕሮግራማት ምግቢ ንኽትረኽቡ ብቑዓት እንተዄንኩም ንኽትፈልጡ ፈትሹ።
- ባንክታት ምግብን ክሽነታት ምግብን፡ ኣስቤዛታት ንሰባት ዝህባ ናይ ከባቢ ትካላት እየን። ኣብ ከባቢኹም ብዛዕባ ዝርከብ ባንኪ ምግቢ ሓበሬታ ርኸቡ።
- ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርትን ማእከላት ክንክን ቆልዑን ዓበይትን፡ ንማሕበረ-ኮማት ናጻ ምግቢ ይህባ ኣለዋ። ኣብ ህጹጽ ኲነታት ብዛዕባ ዝውሃብ ፕሮግራማት ምግቢ ቆልዑ ዝምልከት ሓበሬታ ከተንብቡ ድማ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ከባቢኹም ካብ ዘሎ ፕሮግራም ሓገዝ ብኸመይ ከምእትረኽቡ ንኽትፈልጡ፡ ኣብ ከባቢኹም ንዘሎ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ከባቢኹም ንዘሎ ባንኪ ምግቢ ተወከሱ።
ሓደ ሓደ ከተማታትን ክፍላተ-ሃገርን፡ ግዝያዊ ውንዘፋ ክፍሊት ክራይ (ክራይ ዘይትኸፍልሉ ግዜ) ኣዊጀን ኣለዋ። እዚ ማለት ኣብዚ ግዜ’ዚ ኽትከፍሉ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም ካብ ገዛ ከምእትወጹ ኽግበር (ንገዛኹም ሓዲግኩም ከምእትኸዱ ኽግበር) ኣይከኣልን ማለት እዩ። ነቲ ዕዳ ክራይ ግን ጸኒሕኩም ኽትከፍልዎ ኣለኩም። እትቕመጡላ ከተማ ወይ ክፍለ-ሃገር፡ ግዝያዊ ውንዘፋ ክራይ እንተልይዋ ንምፍላጥ ሓበሬታ ርኸቡ። ሓበሬታ ንምርካብ ድማ ንመርበብ-ሓበሬታ ናይ ከባቢ ምምሕዳር መንግስቲ ከፊትኩም ኽትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።
መብዛሕቱ ክፍሊታት ፈደራላዊ ለቓሕ ተማሃሮ (ናይ ውልቂ ወይ ናይ ፐርኪንስ (Perkins) ለቓሕ ዘይኮነ)፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከይተዋህቦ ወይ ወለድ ከይተኸፍሎ ክሳዕ 30 መስከረም 2020 ከምዝደናጒ ኽግበር ይከኣል እዩ። ብዛዕባ ረድኤት ለቓሕ ተማሃሮ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸቡ።
ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ምስ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ዝኾነ መድሕን ሽቕለት-ኣልቦነት፡ ለቓሓት ወይ ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕና ብዝምልከት ሕጊ መንግስታዊ ክሲ ኣይኽትቅጽዑን ኢኹም።
ኣብ ዘለዎም ኲነታት፡ ፍቓድ መንበሪኦም ወይ ምንዋሕ ገደብ-ግዜ ቪዛ ለውጥታት ከምእተገብረ ዘመልክቱ ሰባት እሞ ኸኣ ካብ ዝቕመጡላ ክፍለ-ሃገር መንግስታዊ ሓገዛት ይቕበሉ እንተልዮም፡ ቀወምቲ ተቐማጦ ንኽኾኑ ከምዘይፍቀደሎም፡ ሕጊ መንግስታዊ ክሲ ይሕብር። ከም ምሳሕ ቤት ትምህርትን መድሕን ጥዕና ቆልዑን ዝኣመሰለ ካልእ ሓገዛት፡ ኣብ ቊጽሪ ኣይኣቱን እዩ። ብዛዕባ ሕጊ መንግስታዊ ክሲ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ኣንብቡ።
ካብ ስራሕ ኣብ እተሰናበትክሙሉ እዋን ሓገዝ ብኸመይ ከምእትረኽቡ ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፥
- ካብ ኢንፎርምድ ኢሚግራት ዝውሃብ ሓበሬታ ክፍለ-ሃገር-ብኽፍለ-ሃገር
- ካብ ትካል ሓለዋ ስድራቤታት ስደተኛታት (Protecting Immigrant Families) ዝውሃብ ብዛዕባ መንግስታዊ ፕሮግራማት ዝምልከት ሓበሬታ
- ሌጋል አይድ ኣት ዎርክ (Legal Aid at Work)፡ ብዛዕባ መሰላት ሽቕለት ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ስጳንኛን ቻይንኛ ርኸቡ። ገለ ካብቲ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ሃገር ክርከብ እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ካሊፎርንያ ጥራይ ዝርከብ እዩ።
እዚ ሓበሬታ፡ ከም ክፍሊ ዕዮ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከምኡውን ኣገልግሎት ኣታዊ ውሽጢ ካብ ዝኣመሰሉ እሙናት ምንጭታት እተረኽበ እዩ። USAHello፡ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ፣ እቲ ዘሎና ዝኾነ ማተርያላታት፡ ከም ሕጋዊ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ንኽውሰድ ዝዓለመ ኣይኮነን።