እዚ ገጽ’ዚ፡ መጨረሽታ ዕለት 5/25/2020 ተመሓዪሹ። ድሕሪ’ዚ ዕለት’ዚ ንእተገብረ ምምሕያሻት ንምርኣይ፡ ብኽብረትኩም ናይ እንግሊዝኛ ገጽ ርኣዩ።
- English (English),
- العربية (Arabic),
- မြန်မာစာ (Burmese),
- 简体中文 (Chinese),
- 繁體中文 (Chinese (Traditional)),
- فارسی (Farsi),
- Français (French),
- Italiano (Italian),
- 日本語 (Japanese),
- Ikinyarwanda (Kinyarwanda),
- 한국어 (Korean),
- Português (Portuguese, Brazil),
- Русский (Russian),
- Somali (Somali),
- Español (Spanish),
- Kiswahili (Swahili),
- Tagalog (Tagalog),
- ไทย (Thai),
- Türkçe (Turkish),
- Українська (Ukrainian),
- اردو (Urdu),
- Tiếng Việt (Vietnamese)
ኲልና ብጥዕና ንኽንነብር ብዛዕባ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ንመሃር። ንገዛእ-ርእስናን ካልኦትን ካብ መልከፍቲ ብኸመይ ክንከላኸል ከምእንኽእል ሓበሬታ ንርከብ። ንዝውሃብ መምርሒታትን እትገብርዎ ነገራትን ተረድኡ።የግዛትዎን ህጎች ይፈልጉ።
እዚ ቫይረስ፡ ኣዝዩ ተላባዒ (ብቀሊሉ ዝሕዝ) እዩ። ኲሉ ሰብ፡ በቲ ሕማም ንኽልከፍ ተኽእሎ ኣለዎ፣ ንኻልኦት ሰባት ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ድማ ኣለዎ።
- በቲ ሕማም እተለኽፈ ሰብ ኣብ ዝህንጥሰሉ ወይ ኣብ ዝስዕለሉ እዋን፡ ቫይረስ ዘለዎ ነጠብታታት (ደቀቕቲ ጠሊ ዘለዎ ነጠብጣብ) የውጽእ።
- ነጠብታታት፡ ኣብ ከባቢ ኣፍ፡ ገጽ ወይ ኣፍንጫ ሰብ ክዓልብን ናብ ሳናቡእ ክኣቱን ይኽእል። እዚ፡ እቲ ቐንዲ መተሓላላፊ ለበዳ ቫይረስ እዩ።
- እዚ ነጠብታታት፡ ኣብ ክዳውንቲ ወይ ኣብ ካልእ ዝባን-ባይታ ክዓልብ ይኽእል እዩ። ካልእ ሰብ ነቲ ዝባን-ባይታ ምስዝትንክፍ ድማ በቲ ሕማም ክልከፍ ይኽእል።
- እዚ ቫይረስ፡ ኣብቲ እነተንፍሶ ኣየር (ብዓይኒ ዘይርኤ ባእታት) ክርከብ ይከኣል እዩ። ካብ እተለኽፈ ሰብ ንእተተንፈሰ ኣየር ናብ ውሽጢ ኣካላቱ ብምስትንፋስ፡ እቲ ቫይረስ ንኻልእ ሰብ ክለኽፎ ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ ኮቪድ-19 ድሕነትካ ብዛዕባ ምሕላው ዝምልከት ቪድዮ ተዓዘቡ
- ብዓረብኛ፡ ኣርካነስ፡ በርማንኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ካረን፡ ካረኒ፡ ነፓልኛ፡ ፓሽቶ፡ ሩስያኛ፡ ሶማልያኛ፡ ስጳንኛ፡ ከምኡውን ስዋሂሊ ንእተዳለወ ቪድዮ ርኣዩ። ትካል ግብረ-መልሲ ስደተኛታት (Refugee Response) ነዚ ቪድዮታት ስለዝህበና ነመስግኖ።
- ብቦዝንያኛ፡ ዲንካ፡ ኪሩንዲ፡ ማኣይ ማኣይ፡ ቬትናምኛ ከምኡውን ቛንቋ ምልክት ኣሜሪካ ንእተዳለወ ቪድዮ ተዓዘቡ። ሓይሊ ዕማም ሕብረ-ብዙሕ ቛንቋታት ቫይረስ ኮሮና ቬርሞንት (Vermont Multilingual Coronavirus Task Force) ነዚ ቪድዮታት ስለዝሃበና ነመስግኖ።
- ብኣምሓርኛ ወይ ህንዲ ንእትዳለወ ቪድዮ ተዓዘቡ። ቤት ጽሕፈት ዓውለማ ኬንታኪ (Kentucky’s Office of Globalization) ነዚ ቪድዮታት ስለዝሃበና ነመስግኖ።
- ብካንቶንኛ/ያታዊ ቻይንኛ፡ ማንዳሪን/እተቓለለ ቻይንኛ፡ ወይ ትግርኛ ንእተዳለወ ቪድዮ ተዓዘቡ። ኣውራጃ ማልትኖማ (Multnomah County) ነዚ ስእልታት ስለዝሃበና ነመስግኖ።
ብኸመይ ጥዑያት ኴንኩም ትነብሩ
ንገዛእ-ርእስኹምን ካልኦትን ንኽትከላኸሉ ኽትገብርወን እትኽእሉ ዝበለጻ ክልተ ነገራት፥ ኣእዳውኩም ምሕጻብ ከምኡውን ምስ ካልኦት ሰባት ዘለኩም ርሕቐት ምሕላው እየን። ኲልና ጥዑያት ኴንና ንኽንነብር ምስእንጽዕር፡ ብተመሳሳሊ ንኻልኦት ሰባትውን ንሕግዝ ኣሎና ማለት እዩ። ጥዕናኹም ብኸመይ ከምእትሕልዉ ኣመልኪቱ እተዳለወ ገለ ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እንሆ።
- ንኣእዳውኩም ብሳሙናን ማይን ብቐጻሊ ሕጸቡ።
- ካልኦት ሰባት ንዝተንከፍዎ ዝባን-ባይታ ወይ ነገራት ድሕሪ ምትንካፍኩም ንኣእዳውኩም ሕጸቡ።
- እንተወሓደ ን20 ካልኢታት ዝኸውን ግዜ ተሓጸቡ።
- ንዝባን ኣእዳውኩምን ውሽጢ ኣጽፋርኩምን ሕጸብዎ።
- ሳሙናን ማይን ኽትጥቀሙ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም፡ መነጻጽሂ ኣእዳው (ሳኒታይዘር) ተጠቐሙ።
- ብዛዕባ ምሕጻብ ኣእዳው ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብብዙሕ ቛንቋታት ርኸቡ።
- ዝሓመመ ወይ ተመርሚሩ ኮቪድ-19 እተረኽቦ ዝኾነ ሰብ ኣብ ስድራቤትኩም ምስዝህሉ፡ ካብ ገዛ ኣይትውጽኡን ንደቅኹም ድማ ካብ ገዛ ከምዘይወጹ ግበሩን።
- ናብ ግዳም ኽትወጹ እንተደሊኹም፡ ምሳኹም ምስዘይቅመጥ ዝኾነ ሰብ ናይ 6 ፊት (2 ሜትሮ) ርሕቐት ብምሕላው “ማሕበራዊ ምርሕሓቕ” ከምዝህልወኩም ግበሩ። ኣብ ድኳናት ኣብ እትህልውሉን ኣብ ጽርግያ ኣብ እትጉዓዝሉን እዋን ከምኡ ግበሩ።
- ምስ ኣዕሩኽ ወይ ጐሮባብቲ ማሕበራዊ ምብጽጻሕ ኣወግዱ። ካብ ህዝባዊ ኣኼባታት ርሓቑን ኣስቤዛ ንምዕዳግ እትገብርዎ ጉዕዞ ድማ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ወይ ትሕቲኡ ከምዝኸውን ግበሩን።
- ኣመና ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ፡ ኣይትግሹ።
- ብዝተኻእለኩም መጠን ንህዝባዊ መጓዓዝያ ኣይትጠቐሙ።
- ኣብ ዝያዳ ሓደጋ ንዝርከቡ ሽማግለታት ወይ ሕሙማት ኣይትብጽሑ።
- ብዛዕባ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብብብዙሕ ቛንቋታት ርኸቡ።
እቲ ቫይረስ መብዛሕቱ ግዜ ብኣፍንጫኹም፡ ኣፍኩምን ኣዒንትኹምን ኣቢሉ ናብ ኣካላትኩም ይኣቱ። ነዘን ሓደ ሓደ ቀለልቲ መምርሒታት ብምጥቃም ንገዛእ-ርእስኹም ኽትከላኸሉ ትኽእሉ ኢኹም፥
- ካብ ገዛኹም ኣብ እትወጽሉ ግዜ ንገጽኩም ኣይትተንክፉ።
- ካብ ገዛኹም ወጻኢ ንዝርከብ ነገራት ኣብ ዝተንከፍክሙሉ ግዜ፡ ኣብ ገዛኹም ንኣእዳውኩም ክሳዕ እትሓጽቡ ንገጽኩም ኣይትተንክፉ።
- ኣብ እትህንጥስሉ ወይ እትስዕልሉ እዋን፡ ንኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ንምሽፋን ኣእዳውኩም ኣይትጠቐሙ። መነጻጽሂ ልስሉስ ወረቐት (ሶፍት) ተጠቒምኩም ጉሓፉዎ። መነጻጽሂ ልስሉስ ወረቐት ምስዘይህልወኩም፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣእዳውኩም ኣብ ውሽጢ ቅልጽምኩም ሰዓሉ ወይ ሃንጥሱ።
- መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስኬራ) ምውዳይ፡ ንገጽኩም ክትትንክፉ ከምዘይብልኩም ንኽትዝክሩ ይሕግዘኩም።
መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምውዳይ፡ ንለበዳ’ዚ ቫይረስ’ዚ ኣብ ምጉዳል ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
ሰባት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ዝኾንሉ እዋን፡ ንኣፍንጫኦምን ኣፎምን ብጨርቂ ወይ ማስኬራ ምስዝሽፍኑ፡ ንለበዳ’ዚ ሕማም’ዚ ኣብ ምጉዳል ክሕግዝ ከምዝኽእል፡ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት (CDC) ይሕብር። እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝስዕለሉ ወይ ዝህንጥሰሉ እዋን ነቲ ቫይረስ ከምዝላባዕ ስለዝገብሮ፣ መሸፈኒ ገጽ፡ ነቲ ካብ እተለኽፈ ሰብ ዝወጸ ነጠብታ ኣርሒቑ ንኽጉዓዝ ኣይገብሮን።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት መሸፈኒ ገጽ (ማስኬራታት) ኣለዉ።
እቲ መብዛሕትና ኣብ ግዜ ህጹጽ ኲነታት ቫይረስ ኮሮና እንወድዮ ማስኬራታት፡ ካብ ጡጥ ወይ ካልእ ጽሕግታት እተሰርሐ እዩ። እዚ ግን እቲ ዶክተራትን ነርስታትን ውሑሳት ንኽኾኑ ዝወድይዎ ማስኬራታት ሕክምና ኣይኮነን።
ማስኬራታት ንምዕዳግ ኣጸጋሚ እዩ።
ማስኬራታት ክትዕድጉ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም፡ ባዕልኹም ከተዳልውዎ ትክእሉ ኢኹም። መሸፈኒ ገጽ ባዕልኹም ከተዳልዉ ዘይትኽእሉ እንተዄንኩም፡ ንኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ዝሽፍን ቊራጽ ዓለባ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።
ማስኬራ ምውዳይ፡ ኮቨድ-19 ንኸይሕዘኩም ኣይከላኸልን እዩ።
ርሕቐትኩም ክትሕልዉ ናይ ግድን የድልየኩም እዩ። ማስኬራታት ግን ሰባት ከምእተለኽፉ ቅድሚ ምፍላጦም፡ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ሰባት ንኸይመሓላልፍዎ ይሕግዝ እዩ። ከም ድኳናት ኣብ ዝኣመሰለ ካብ ካልኦት ሰባት ንኽትርሕቕ ከቢድ ዝኾነሉ ቦታታት ብፍላይ ግን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኮቪድ-19፡ ምልክታት ሕማም ብዘየርእዩ ሰባት ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ።
ገሊኦም ሰባት ምልክታት ክሳዕ ዘርእዩ ክልተ ሳምንታት ክወስደሎም ይኽእል፣ ገሊኦም ግን ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፍዎ እናኸኣሉ እንከለዉ፡ ዝኾነ ምልክታት ሕማም ብፍጹም ኣየርእዩን እዮም። ማስኬራ ምውዳይ፡ ነቲ ናብ ካልኦት ሰባት እነመሓላልፎ ዓቐን ጀርምታት ብምጉዳል፡ ንለበዳ’ቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ እዩ።
ንእትወድይዎ ማስኬራ ብጽሬት ሓዙ።
እትወድይዎ ማስኬራ፡ እንተኽኢልኩም ድሕሪ ምጥቃምኩም ኲሉ ግዜ ክትሓጽብዎ ይግባእ።
ባዕሉ ከውጽኦ ዓቕሚ ኣብ ዘይብሉ ዝኾነ ሰብ ማስኬራ ኣይትግበሩ።
ዕድሚኦም ትሕቲ 2 ዓመት ኣብ ዝኾኑ ቆልዑ ወይ ከውጽእዎ ኣብ ዝደልይሉ እዋን ከውጽእዎ ዓቕሚ ኣብ ዘይብሎም ሰባት፡ ማስኬራ ምግባር ከምዘይግባእ፡ ማእከል ምቊጽጻር ሓማማት ሓቢሩ።
- ኣጋይሽ ናብ ገዛኹም ንኽመጹ ኣይትዓድሙ። ዝኾነ ሰብ ናብ ማዕጾ ገዛኹም ምስዝመጽእ፡ ምሳኹም ዘለዎ ርሕቐት 6 ፊት ከምዝኸውን ግበሩ።
- ብተደጋጋሚ ንእትትንክፍዎ ዝባን-ባይታ ብቐጻሊ ኣጸራርይዎ።
- መምከኒ ፈሳሲ (ዲስኢንፈክታንት) ተጠቐሙ። መምከኒ ፈሳሲ ምስዘይህልወኩም፡ ባዕልኹም ከተዳልውዎ ትኽእሉ ኢኹም። 4 ማንካ ሻሂ በረኪና ምስ 1 ርብዒ ማይ ሓዋዊስኩም ኣድልውዎ።
- ኣብ ገዛኹም ዝሓመመ ሰብ ምስዝህሉ፡ ካብ ኲሉ ሰብ ከምዝርሕቕ ግበሩ። ንዝተንከፎ ኲሉ ነገር ኣጽርይዎ። መሸፈኒ ገጽ ክትረኽቡ ወይ ክትሰርሑ ጽዓሩ።
- እንስሳታት ገዛ ካብ ካልኦት ሰባት ከምዝርሕቑ ግበሩ።
- ኣብ ግዜ ህጹጽ ኲነታት ክትወከስዎም ናይ እትኽእሉ ኣካላት ዝርዝር መወከሲ ይሃልኹም። መወከሲ ሓበሬታ ኣብ ከባቢኹም ናይ ዘሎ ክፍሊ ጥዕና፡ ሓኪምኩም ወይ ማእከል ጥዕና፡ ስራሕኩምን ቤት ትምህርቲ ደቅኹምን ይሃልኹም። ኣብ ዝሓመምክሙሉ እዋን ክትውከስዎም ንዘድልይኹም ኣገደስቲ ወሃብቲ ደገፍ ኮም ወይ መሓዙት ዝምልከት መወከሲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ሓዙ።
ማእከል ምቊጽጻር ሓማማት፥ “ሽማግለታትን ከቢድ ሕዱር ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎም ኣብ ዝኾነ ዕድመ ዝርከቡ ሰባትን፡ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣብ ከቢድ ሕማም ንኽወድቊ ልዑል ተኽእሎ ክህልዎም ይኽእል እዩ” ሓቢሩ።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንኽሓሙ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከቡ ሓደ ሓደ ጉጅለታት ሕብረተሰባት፡ እዚኣቶም እዮም፥
- 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት
- ኣብ ገዛ ሕክምና ዝግበረሎም ወይ ንነዊሕ ግዜ ክንክን ኣብ ዝግበረሉ ሕክምና ዝቕመጡ ዘለዉ ሰባት
- ሕማም መንሽሮ፡ ሕማም ሳንቡእ ወይ ኲሊት፡ ጸገማት ልብን ሕማም ሽኮርን ዝርከቦ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎም ሰባት
- ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘይብሎም ወይ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ሰባት
- ሚዛኖም ልዕሊ ክብደት ዝኾኑ ሰባት
- ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት
ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዝኾነ ሕማም ኣለኩም ድዩ፧ ስለዚ፡ ኣብ ዝያዳ ሓደጋ ኽትህልዉ ትኽእሉ ኢኹም። ብዝተኻእለ መጠን ምስ ካልኦት ሰባት ኣይትራኸቡ። ንኣብነት፥ ሓደ ሓደ ድኳናት፡ ነቶም ዝልዓለ ሓደጋ ሕማም ዘለዎም ሰባት ዘገልግላሉ ፍሉይ ሰዓታት ዕዳጋ ኣለወን። ሰባት ምግቢ ኣብ ዘምጽእልኩም ግዜ፡ ኣብ ማዕጾ ገዲፎምልኩም ክኸዱ ይግባእ።
እዚ ርእሰ-ግለላ፡ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኲልና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ኲነታት ንስድራቤትናን መሓዙትናን ንኽንረክብ ንደሊ ኢና። እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምስ ስድራቤትኩም ብተሌፎን ክትራኸቡ ዝሓሸ እዩ።
ሰባት፡ መብዛሕቱ ግዜ ንኻልኦት ሰባት ሓገዝ ክህቡ ስለዝደልዩ፡ ነቲ ዝርኣይዎ ወይ ዝሰምዕዎ ሓበሬታ ይህቡ እዮም! ኣብ ግዜ ራዕዲ፥ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ – ብግጉይ ሓበሬታ ወይ ጽውጽዋይ ይፍለጥ – ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ሕምባበ ይላባዕ እዩ። ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ኣመልኪቱ ንዝንገር ሓደ ሓደ ልሙዳት ጽውጽዋያት ንዝሓዘ ቪድዮ ተዓዘቡ፣ ከምኡውን ጠቓሚ ሓበሬታ ብምርካብ ብኸመይ ውሑሳት ከምእትኾኑ ተማሃሩ።
ብዛዕባ ፍወሳን ምክልኻልን ኮቪድ-19 ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ናብ ካልእ ምምሕልላፍ ሓደገኛ እዩ። ምኽሪ ክትህቡ ምስእትደልዩ፡ ኣብ ከባቢኹም ካብ ዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ወይ ካብ ማእከል ምቚጽጻር ሕማማት ንዝረከብክሙዎ ሓበሬታ ጥራይ ይኹን።
ኣብ ምጅማር ህጹጽ-ኲነታት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ኣብ ራዕዲ ስለዝኣተወ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ከምዝዕድግ ገይርዎ እዩ። ድኳናት ድማ መሰረታዊ ቀረባት ወዲኤን። ካብቲ እንደልዮ ንላዕሊ ክንሕዝ ኣገዳሲ እኳ እንተዘይኮነ፡ ድሉዋት ኽንከውን ግን ጽቡቕ እዩ። እንተተኻኢሉ ድማ ንኽልተ ሳምንታት ዝኸውን እኹል ኣቑሑ ገዛን ኣስቤዛታትን ከምዘለና ነረጋግጽ። ስለዚ ድማ ምስ እትሓሙ ወይ ድኳናት ምስዝዕጸዉ፡ ነቲ ኽፉእ እዋን ድልዋት ትኾኑ።
ክትዕድግዎ ከድልየኩም ዝኽእል ሓደ ሓደ ነገራት፡ ኣብዚ እንሆ፥
- ድሩቕ ባልደንጓ፡ ብርስን፡ ፓስታን እኽልን
- ኣብ ታኒካ እተዓሸገ ፍረታት፡ ኣሕምልትን ባልደንጓን
- ሕብስቲ (ንኸይበላሾ ኣብ ፍሪጅ ከተብርድዎ ትኽእሉ ኢኹም)
- ዝበረደ ስጋ፡ ዓሳ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን
ኲሉ’ዚ ምግብታት፡ ንነዊሕ ግዜ ከምዝጸንሕ ይኸውን።
ንገዛእ-ርእስኹምን ስምዒታትኩምን ተኸናኸኑ
እዚ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና፡ ንዂሉ ሰብ ይጸልዎ ኣሎ። መብዛሕቶም ሰባት ብፍርሃት ተዋሒጦም ይርከቡ፣ ብዙሓት ሰባት ድማ ጽምዋ ይስምዖም ኣሎ። ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓድሽ ዝመጻእኩም እንተዄንኩም ድማ ዝያዳ ከቢድ ይገብሮ። እተፈልየ ቛንቋ ክትምሃሩን እተፈልየ ባህሊ ክትርድኡን ትግደዱ ኢኹም። ስድራቤትኩም’ውን ካባኹም ርሒቖም ዝቕመጡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስደተኛታት፡ መጻእተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ብምኽንያት’ቲ ዝበጽሖም ኲነታት ሓያላት ከምዝኾኑ ገይርዎም እዩ። እቲ ዘለኩም ጥቡቕ ዝምድናታት ድማ ሓይልን ደገፍን ክኾነኩም ይኽእል እዩ። መንፈሳውነትኩም ወይ እትሓልይሎም ካልኦት ነገራት ድማ ሓያላት ከምእትኾኑ ኽገብርኹም ይኽእሉ እዮም።
1. እወታዊ ኣተሓሳስባ ይሃልውኩም
ሻቕሎት ወይ ጸቕጢ ክስምዓኩም ንቡር እዩ፣ እንተኾነ ግን እወታዊ ኣተሓሳስባ ክህልወኩም ጽዓሩ። ንብዙሕ ብድሆታት ከምዝሰገርኩምን ኣብ መጻኢ ንዘጋጥመኩም ከቢድ ግዝያት ክትሓልፉ ምዃንኩምን ንገዛእ-ርእስኹም ኣዘኻኽሩ። ኣብ ዜናን እትቕመጥሉ ኮምን ንዘጋጥም ዘሎ እወታዊ ነገራት እንታይ ምዃኑ ተኸታተሉ።
2. ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ሕማቕ ዜናታት ኣይተንብቡ ወይ ኣይትተዓዘቡ
ዜና እትርእይሉ ግዜ፡ ኣብ መዓልቲ ከባቢ 20 ደቓይቕ ከምዝኸውን ግበሩ። ዓቕሊ ከየጽበብኩም ወይ ከይተሸበርኩም፡ ብኸመይ ውሑሳት ከምእትኾኑ እዋኑ ዝሓለወ ሓበሬታ ይህበኩም እዩ።
3. ገለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበሩ
ኣብ ከባቢኹም ኽትገብርዎ ውሑስ እንተኾይኑ፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ዝበለ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኽትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኽትንቀሳቐስሉ እትኽእሉ ጀርዲን ክህልወኩም ድማ ይኽእል እዩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ መታን ኽትገብሩ፡ ናጻ ቪድዮ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዩትዩብ ተኸታተሉ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ፥ ኣካልኩምን ኣእምሮኹምን እወታዊ ሓይሊ ንኽረክብ ድፊኢት ይፈጥረሉ እዩ።
4. እኹል ድቃስ ርኸቡ
ድቃስ ኣገዳሲ ክፋል ህይወትኩም ምስእትገብሩ፡ ዝሓሸ ስምዒትን ጥዕናን ይህልወኩም። ብዙሓት ካባና፡ ሻቕሎት ኣብ ዝስምዓና ግዜ ንኽንድቅስ የጸግመና እዩ። ካልኦት ድማ ልዕሊ ዓቐን ይድቅሱ። ኣብ ግዜ ለይቲ፡ ናይ 7-8 ሰዓታት ጽቡቕ ድቃስ ንኽትድቅሱ መደብ ኣውጽኡ። ድቃስ፡ ንዂነተ-ኣእምሮና፡ ኣተሓሳስባናን ዓቕልናን ከምዝምሓየሽ ይገብር እዩ።
5. ምስ ሰባት ምትእስሳር ይሃልውኩም
ንኣፕሊኬሽን መበሃሃሊ (ቻት)፡ ቪድዮ፡ ተሌፎን ወይ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም ምስ ኣዕሩኽትኹምን ስድራቤትኩምን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ከመይ ከምዝስምዓኩም ትሕብርዎምን ከመይ ይስምዖም ከምዘሎ ድማ ካብኦም ትሰምዑን። ብዛዕባ ዘገድሰኩም ነገራት ተዘራረቡ። ናይ መጻኢ መደባትኩም ኣዳልዉ። ኣእምሮኹምን ኣካልኩምን ብጥዕና ንኽትሕዙ ዘድልየኩም ደገፋትን ሓገዛትን ርኸቡ!
Are you afraid or in ኣብ ገዛ ብዘይምውጻእኩም፡ ንስኹም ወይ እትፈልጥዎ ሰብ ኣብ ጸቕጢ ወይ ፍርሃት ኣለኹም’ዶ፧distress?
ንስኹም ወይ ንስኹም እትግደስሉ ዝኾነ ሰብ፡ ብቁጥዐ፡ ሓዘን ወይ ጭንቀት ዓቕልኹም ኣብ እተጽብብሉ እዋን ወይ ድማ ንስኹም ወይ ካልኦት ንገዛእ-ርእስኹም ወይ ካልኦት ጉድኣት ከተብጽሑ እትደልይሉ ስምዒት ኣብ ዝህልወኩም እዋን፡ ህጹጽ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ክትሓቱ ከምዝግብኣኩም፡ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ይሕብር፥
- ሓገዝ ህጹጽ ኲነታት ዘድልየኩም እንተኾይኑ፡ ናብ 911 ደውሉ
- ናብ መስመር ሓገዝ ሓደጋ (Disaster Distress Helpline) ደውሉ ወይ ናብ 1-800-985-5990 ከምኡውን TTY 1-800-846-8517 ደውሉ ወይ ናብ TalkWithUs ብ66746 ጽሑፍ ልኣኹ።
ናይ ቤት ግፍዕን ዓመጽን
ዜቦታዊ ግፍዒ ማለት ብ መጻምዲ ወይ ኣባላት ስድራቤት ፣ኣብ ገዛ ዝተገብረ ግፍዒ ኢዩ። እዚ ግፍዒ ወሲኩ ኣሎ ኣብ ግዝየ ምዝርጋሕ ኣብ ዓለም ኮቪድ-19 ምክንያቱ ሰባት ን ስድራቤትምን ዝያዳ ግዝየ ኣብ ገዛ ስለ ዘሕልፉ ዘለዉ። ዝበዝሑ ግፍዒ ኣንጻር ኣንስትን መጻምድትን ኢዩ። ግን ቆልዑ ይርእይዎ ኢዮም እዚ ግፍዒ ፣ን ንሳቶም ውን ግዳይ ክኮኑ ይክእሉ ኢዮም።
ከሚኖሩበት ሰው ይፈራሉ?
ጉዳዩ ይህ ከሆነ ምናልባት በዚህ ጊዜ የበር ድጋፍ ሳጥን ይገኛል። Butt ሶስት hey አገልግሎቶች ከዚያ ይረዱዎታል-
- ረአ እቲ ሃገራዊ ዘቤታዊ ግፍዒ ህጹጽ መስመር ወይ ደውል 1-800-799-7233 ን TTY 1-800-787-3224
- ጸሓፍ ናብ ምጽሓፊ መስመር ቅልውላው ኣብ 741741
- እንተ ደኣ ንሂወትካ ፈሪሕካ ን ሂወት ኣባላት ስድራቤትካን ፣ደውል 911
እዚ ሓበሬታ፡ ከም ማእከላት ምቚጽጻር ሕማም (Centers for Disease Control) ከምኡውን ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝኣመሰሉ እሙናት ምንጭታት እተረኽበ እዩ። USAHello (ዩኤስኤሄሎ)፡ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ፣ እቲ ዘሎና ዝኾነ ማተርያላታት፡ ከም ሕጋዊ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ ንኽውሰድ ዝዓለመ ኣይኮነን። እቲ ዘሎና ሓበሬታ ጥዕና፡ ብኣባል ቦርድ USAHello ተጅ ሚሽራ (Tej Mishra)፡ ክኢላ ህዝባዊ ጥዕናን ሕማም ለበዳን ገምጋም ተኻዪዱሉ።